መግለፂ ቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ!

እዚ መግለፂ ቅዋም እዙይ ኣብ ሟሙቕ መንበሪ ገዛና ኾይንና ልቺ ወሊዕና ንፅሕፎ ዘለና ንቡር ጽሑፍ ኣይኮነን። ተስፋ-ምቑራፅ፣ ሕማምን ጥሜትን ልዕሊ ጥይትን ቁምብላታት ውግእን ካብ ዝቐትለሉ መንበሪናን መሞቲናን ኮይና ውሕጅ ፣ኽረምቲ፣ ፀሓይ ሓጋይን ኣብ ዘጠስጠሶም ኬንዳታት መዓስከራት ተመዛበልቲ ኾይንና፡ ዝፅሓፍናዯ እዩ። ንፅሕፎ ዘለና ደቀን ዝቐበራ ኣዴታት፣ ገዝኦምን ሃፍተ ገነቶምን ዝተዘመቱ ኣቦታት፣ እንትርፊ ፀልማትን ስደትን ኣፋፍኖት ብርሃን […]

መደረ ምኽትል ኣቦ ወንበር ፅላል ዶ/ር ሙዑዝ

ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጫ ኩርዳውያን ይበፅሖ ከምዘሎ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዶክተር ሙዑዝ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ሮማናት ኣደባባይ መደረ ዘስምዑ ዶ/ር ሙዑዝ “ኣብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ንዝመፁ ሰፈርቲ መንበሪ ገዛን ሕርሻን ብምዕዳል ተመዛበልቲ ንከይምለሱ ይስራሕ ኣሎ” ኢሎም። ስለዝኾነ መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጫ […]

ውዕሎ ጀኔቫ//

ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ናይቲ ካብ 11 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ይካየድ ዘሎ ሰልፊ “ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ”፤ ሎሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት-ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ድሙቕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዳ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ሙደረ ዘስመዑ ኣቦ-ወንበር ፈፃሚት ፅላል ዶር መሪሕ ወላይ ከም ዝበልዎ፤ ተመዛባልን ስደተኛን ህዝብና […]