
እዚ መግለፂ ቅዋም እዙይ ኣብ ሟሙቕ መንበሪ ገዛና ኾይንና ልቺ ወሊዕና ንፅሕፎ ዘለና ንቡር ጽሑፍ ኣይኮነን። ተስፋ-ምቑራፅ፣ ሕማምን ጥሜትን ልዕሊ ጥይትን ቁምብላታት ውግእን ካብ ዝቐትለሉ መንበሪናን መሞቲናን ኮይና ውሕጅ ፣ኽረምቲ፣ ፀሓይ ሓጋይን ኣብ ዘጠስጠሶም ኬንዳታት መዓስከራት ተመዛበልቲ ኾይንና፡ ዝፅሓፍናዯ እዩ።
ንፅሕፎ ዘለና ደቀን ዝቐበራ ኣዴታት፣ ገዝኦምን ሃፍተ ገነቶምን ዝተዘመቱ ኣቦታት፣ እንትርፊ ፀልማትን ስደትን ኣፋፍኖት ብርሃን ዘይረኣዬም መናእሰይ ባዕልትናን ወኪላትናን ብሓባር ኾይንና ኢና።
ክቡራትን ክቡራንን ፡ ንሕና ካብ ሕጂ ንደሓር ተመዛበልቲ ዝብል ቓል ዝገልፀና ኣይኮነን። ንሕና “ጠፋእቲ” ኢና። ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ድምፂ ኣልቦ ሰላሕታዊ ሞት እናሞትና፡ ንፀንት፣ ንጠፍእ ዘለና ፅባሕና ዘይፍለጥ ጠፋእቲ! ኮይኑ ግና ንኸይንጠፍእ ናብ መርበትና ክንምለስ ቆሪፅና ዝተልዓልና ህዝቢ ኢና።
ከምቲ ትፈልጥዎ ትማሊ ትማሊ እንተላማት ንሓፍስ ዓርስና ንኽእል ኣፍረይቲ ካብ ዝበሃሉ ከባቢታት ብቕድሚት ንፅዋዕ ነይርና። ሓረስቶት፣ ነጋዶ፣ ኸፈልቲ ግብሪ ብምዃን ኣብ ቁጠባ ነዛ ዝረስዕትና ዓዲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ነይርና።
እዛ ዓዲ ንወፃኢ ሰደድ ካብ ትገብሮም ኽባራት ፍርያታት ሰሊጥ፣ ምሽላ፣ ጡጥን ፍርያት እንሰሳን ብሰፊሑን ብብዝሒን ነፍሪ ማሕበረሰብ ነይርና። ትማሊ ትማሊ ሞተር ቁጠባ እዛ ዓዲ ዝነበርና ደቂ ምዕራብ ትግራይ፡ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁልቁለት፡ ሓገዝ ምግቢ ክንቕበል ሰልፊ ሒዝና ንውዕል ኣለና። ግዳማዊ ፅልኢ ዝወለዶ ኣደራዕን ንዕኡ ንምቕልባስ ናይ ዝተርኣየ ፍሽለት እቲ መሪሕነትን ፀውርኡ ብሙሉኡ ኣብ ዝባንና ተደፍዲፉ። ንሕና ተሸከምቲ ኹሉ ሕመቕን ኽፍኣትን ኾይንና።
ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብታ ታሪኻዊት መረበቱ ሓሪሱ ነጊዱ ንባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓዱ ገቢሩ ዘልምዕ ዝነበረን ምስ ጎረባብቱ ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህልን ልምድን ዘማዕበለ ፍፁም ሕያዋይ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተኾነ ካብ ፅንተታዊ ወራር 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ሃንደበት ኣብ ልዕሊኡ ንምግላፁ ብዝኸብድ ብየማነ ፀጋም ብኸበድቲ ኣፅዋራትን ዘይሕጋውያን ዕጡቓትን ተጨፍጪፉ ከም ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሓደ ቤተሰብ ገዝኡ ከይዓፀወ ሂወቱ ከድሕን እግሩ ናብ ዘምርሖ ገሊኡ ንሱዳን ገሊኡ ድማ ናብ ካሊእ ከባቢታት ትግራይ ተበቲኑ ዘይኽኣለ ድማ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ መንነቱ ተመንጢሉ ሓሰረ-መከራ እናረኸበ ይርከብ።
ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ከባቢታት ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ተመዛባላይን ስዱድን ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካፍታ ዘፅለለላ ኬንዳ ተላዒሉ ከም ኩሉ ትግራዋይ ንዝመፆ ናይ ፅንተት ኲናት ኣንፃር ጆኖሳይዳውያን ተሰሊፉ መኪቱ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክፍረም ዝገበረ ጀግና ህዝቢ እዩ። እንተኾነ ግና ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ብዘይ ውዓል ሕደር ፤ ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ኣብ ክንዲ ምምላስ ኣጉል ተስፋ እናተውሃቦ ብኹሉ ሸነኽ ናይ ፖለቲካ ሽፍጢ ኣብ ልዕሊኡ እንዳተሰርሖ ይርከብ::
እዚ ቃንዛ ህዝብና ንመወዳእታ ከብቕዕ ትካልና ፅላል ሲቪል ማሕብረሰብ ምዕራብ ትግራይ ካብ 11- 13 ሰነ 2017 ዓ/ም ዓለምለኻዊ ሰልፊ ኣሰናዲኣ ኣብ ክካየድ ጌራ እያ። እዚ ተቓውሞ ጥራይ ዘይኮነስ ብህይወት ንምቕፃል ዝግበር ትእይንተ ንብዓትን ለመናን ህዝቢ እዩ። ናብ ገዛና ክንኸይድ ፍቓድ ኣይንፅበን። 13/10/2017 ዓ/ም ፍልይቲ ዕለት ኮይና ድምፂ ተማዛበልቲ፣ ኣብ ስደትን ኣብ ትሕቲ ወራርን ዘሎ ህዝብና ድምፁ ሓፍ ኢሉ ክስማዕ ፤ ህዝብና መሬቱ ጥሪቱን ንብረቱን ደኣ ተመንጢሉ እምበር መንነቱ ፣ክብሩን ኣእምርኡን ከም ዘይተመንጠለ ንክብሩን መንነቱን ክሳብ መወዳእታ ከም ዝቃለስ ንዓለም ብዘረድእ መልክዑ ሰላማዊ ቃልሲ ዝገበርናላ ድምቕቲ ዕለት እያ::
እዛ ዕለት እዚኣ ማለት ውን ሰነ 13/2017 ዓ/ም ምስ ኣብ ጄነቫ ዝግበር ዝተገበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ኣፍሪካ ዝጥምት ኣኼባ ተኣሳሲራ ዓለም ጉዳይና ኣብ ኣጀንዳ ጉዳይ ኣፍሪካ ጌራ ክትሰምዐና ንምግባር ፤ብተወሳኺ ድማ እዚ ቕነ ቕነ መዓልቲ ሰማእታት ብምኻኑ ከም ተጋሩ ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ሓደ ኾይና ሰማእታትና ንዝክረሉን ደበሶም ዝተመዛበለ፣ ዝተሰደደን ናብ ማሙቕ ገዝኡ ክምለስን ከምኡ ውን ኣብ ትሕቲ ወራሪ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክውፅእን ምግባር ግዝኣታዊ ሓድነቱ ትግራይ ምርግጋፅ ምዃኑ ብምእማን፤ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይእዚ ዕለት እዚ “ብሄራዊ ፃውዒት ሰላምን ሓድንትን ብሙሉኡነት ንተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያ” ተባሂሉ ክኽበር ትካልና ወሲኑን ንመንግስቲ መምርሒ ንከውርድ ኣፍሊጡን እዩ።
እዛ ዕለት “ብሄራዊ ፃውዒት ሰላምን ሓድነትን ብሙሉእ ንተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ” ዝተገበረ “ይኣክል! ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ” ዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ኣብ ጎኒ እዚ ብፀላእቲ ዝተኸበበ ዓይኒን እዝንን ዝበዘሖ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ህዝቢ እታ ብሕታዊት ዋሓስና ሓድነት እያ ኢሉ ዝኣምን የዋህ ህዝቢ ደው ኢሉ እዩ። ሓድነት ድማ ሰሪሕኻ እምበር ተመኒኻ ኣይርከብን:: ብምኻኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ነዞም ብኹሉ ሸነኽ ከቢቦሞ ዘለው ፈተናታት ናብ ዕድላት ንምቕያር ተወዲቡ ሓደ ኾይኑ ሓድነቱ ዘጠናኽረሉ ኮይኑ ክምዝገብ ብምሕሳብ እዩ ። እዚ ተግባር ድማ ንመንግሰቲ ጥራሕ ዝግደፍ ዕዮገዛ ዘይኮነስ ናይ መላእ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን።
ሕዚ ህዝብና ትዕግስቱ ወዲኡ ኣብ ኣደባባያት እናወፀ ሞትን ስቓይን ይኣክል “ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ” እናበለ ይርከብ። ንሕና ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ካብ እንቃለሰሎም ዓበይቲ ዕላማታት እቲ ዋና ዝተሰደዱን ዝተመዛበሉን ህዝብና ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ናብታ ማሙቕ መረበቶም ንኽምለሱ ኣብ ትሕቲ ወራርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክውፅእን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንክምለስ
ኣብ ልዕሊ ተፈራረምትን መፈራረምትን ከምኡ እውን ፈፃሚ ኣካል ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ግብራዊ መልሲ ንክህብ እዞም ዝስዕቡ ብዓል ሽዱሽተ ነጥብታት መግልፂ ቅዋም ኣውፂእና ኣለና።
1) ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሂወት መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣዝዩ ኣፀጋምን ብመከራ ዝተዓጀበን ምዃኑ መላእ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ካብ ሐዚ ንደሓር ግን እዚ ሂወት ንሓንቲ መዓልቲ እውን ክቕፅል ምፍቃድ ማለት መከራን ስቃይን ህዝብና ክናዋሕ ምፍቃድ እዩ ኢልና ንኣምን። ብምዃኑ ነዚ ከርፋሕ ሂወት ክቅፅል ምስ ዝውትውቱ ብፖለቲካ ዝተላዕጠጠ ፕሮፓጋንዳ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ወጊድ ብምባል ስቃይናን መከራናን ዘቃልሉ ኩሎም መማረፂታት እናፈተሽና ብዕቱብ ተወዲብና ቃልስና ብዝሓየለ መልክዑ ከም ንቕፅል ቃል ንኣቱ።
2) ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ዛጊድ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮይንዎ ይርከብ። ስለዝኾነ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ውሑስ፣ ቅልጡፍን ኽብሪ ህዝብና ብዝሕሉ ኣገባብን ከም ንምለስ ንምርግጋፅ፤ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊ፡ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን መስርሓት ተወጊኑ ወርሒ ሰነ ከይተወደአ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሓዞ ትልሚ ምምላስ ብግልፂ ክነግረናን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከፍልጠና ኣጥቢቕና ንሓትት።
3) ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ማለት እውን ምስ ፌደራል መንግስትን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ብምትሕብባር ህዝብና ቅድሚ መሊኡ ምፅናቱ ናብ ዘይተደለየ ጎንፂ ከይኣትው ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ካብ ዘይ ሕጋውያን ዕጡቓትን ምሕደራን ሓራ ወፅዩ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ብሙሉእ ውሕስና ንክምለስ ኣጥቢቕና ንሓትት
4) ጎና ጎኒ ምምላስ ተመዛበልቲ ናይ ስነ – ኣእምሮኣዊ ሕውየት ፣ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ፣ ዓርሱ እስካብ ዝኽእል ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ምትእኽኻብን እግሪ ምትካልን ካሕሳን ስራሕቲ ክስርሑ ነዚ ዝጥምት ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ብህጹጽ ክጣየሽ ፤ትካልና ፅላል ስቪል ማሕብረሰብ ምዕራብ ትግራይ ድማ ነዚ ሙሉእ ድጋፍ ከም ትገብር ቃል ንኣቱ ።
5) ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝበፅሐ ጆኖሳይድ ዘፅንዕ ገለልተኛ ኣካል ክኣቱን ነዚ ትኣማንነት ድማ ምዕራብ ይኹን ኩለን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ቦታታት ትግራይ ከም ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኸውን ንሓትት።
6) ብሄራዊ ሕቶ ትግራይ ዝምለስ ተመዛበልትን ስደተኛታትን፣ ናብ መረበቶም ብቕልጡፍን ውሕሱን መንገዲ እንትምለሱን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ እንትረጋገፅን እዩ ። ስለዝኾነ ሓድነት ተጋሩ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኩሉ ትግራዋይ ኣጀንድኡ ምምላስ ተማዛባላይን ዝተሰደደን ህዝብና ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነትን ገይሩ ክሰርሕ ብፅኑዕ ንሓትት።
ሰነ 13/2017 ዓ/ም
መቐለ፣ ሮማናት አደባባይ!