ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመን ይፍፀም ዘሎን ንጡፍ ፅንታ ( Active Genocide) ካብ ግዘ ናብ ግዘ ትሕዝትኡን ዓይነቱን እናቐያየረ፤ የብፅሖ ዘሎ ኩሉ-መደያዊ ቅልውላው ድማ ዓብዪ ምዃኑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሃፍትን ንብረትን ተጋሩ ክሳብ ሐዚ ይፍፀም ዘሎ ስርዓታዊ በደል ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ክልላውን ፌደራላውን ኣብያተ ዕዮታት መንግስቲ ብደብዳበን መግለፂታትን ከነፍልጥ ፀኒሕናን ኣለናን።
ወርርቲ ሓይልታት ብኢ-ሕጋዊ መንገዲ ይገብርዎ ዝነበሩ ስርቂ፤ እንገብሮ ብዘለና ፅዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ስግኣት ስለዝሓደሮም፤ እኒሆ ሎሚ ድማ ነቲ ሓዱሽ ዝበልዎ ስልቲ ቀልቢሶም ሕጋውነት ብምልባስ ስርቆም ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ኣለው።
ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉን ተሰዲዱን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ብጥሜትን ሕማምን እናተሳቐየ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፤ ወረርቲ ሓይልታት ስልቲ ብምምዕባል “ሕጋዊ” ብዝመስል ኣገባብ ኣባይቲ ተጋሩ ንምምንዛዕ ዝተዋደደ ስርቂ ይቕፅሉሉ ኣለዉ።
እዚ ብኣቶ ኣሸተ ደምለው ዝምራሕን 13 ኣባላት ዝሓቖፈን “ምፅፋፍ መሬት ከተማ” ዝብል ሽም ዝተውሃቦ ኣብተን ከተማታት ዝርከቡ ወረዳ ኣመሓደርቲ፣ ዓበይቲ ዓድን ነጋዶን ዘጠቓለለ እንትኾን ፤ እዞም ኣካላት እዚኦም ንሰብ ዋና ብምፍርራሕ “ውክልና ሂብኩም ሽጥዎ” ብምባል ፀቕጢ ይፈጥሩን ፣ ውክልና ኣይንህብን ንዝበሉ ድማ “ገዛኹም ኣቃፂልና፣ መሬቱ ድማ ናብ “ባንኪ መሬት “ብምእታው ንኻልኦት ከነመሓላልፎ ኢና” ብዝብል ዘይሕጋዊ ራዕዲ ንህዝብና ኣብ ከቢድ ጭንቀት የውድቕዎ ይርከቡ።መብዛሕቲኡ ህዝብና ነዚ ሽርሒ ብፅንዓት ይምክቶ እኳ እንተሃለወ፣ ውሑዳት ግን ብሰንኪ ዘለዉሉ ኸቢድ ኩነታት ኣብቲ መፃወድያ ይወድቁ ኣለዉ።
ዝኸበርካ ተመዛቢልካን ተሰዲድካን ኣብ ፍፁም ከርፋሕ ናብራ እትርከብ ህዝብና፤ እቲ ተሕልፎ ዘለኻ ስቓይ ሰብኣዊ ፉጡር ክንብሮ ይትረፍ ክሰምዖ እውን ኣዝዩ ዘስካሕከሕን ዘሰንብድን ምዃኑ ዓለም ፈሊጣቶ ዝሓደረት ጉዳይ እዩ። ዓለም ፀገምካን ዘለኻሉ ኹነታትን ተረዲኣ ቅልጡፍን ርትዓውን መልሲ ብዘይምሃባ ፅባሕ ካብ ተሓታትነት ኣይከተምልጥን። ንስኻ ግን ተስፋ ከይቆረጽካ ነዚ ዓድን ዓውድን ዘይብልካ ንምትራፍ ዝእለመልካ ዘሎ ሽርሒ ብምብጣስ፣ ኣብቶም ፅባሕኻ ኣብ ዘለምልሙ ወሰንቲ ጉዳያት ተወዲብካ ኩለ-መደያዊ ቃልሲ ብምክያድ ምልሰት ርስትኻ ክተቀላጥፍ ኣበኪርና ንምዕድ።
ኣብ መወዳእታ፤ ህዝብና ብትግራዋይ መንነቱ ዝወረዶ ቅትለት፣ ምምዝባልን ምስዳዳን ከይኣኽሎ፤ ሐዚ ድማ ነታ ዝተረፈት እንኮ መሬት መንበሪኡ ብምምንጣል ተስፋ ምምላሱ ንምፅልማት ዝረባረቡ ዘለዉ ወረርቲ ሓይልታት፣ ግዜ ምስ ወገሐ ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ ክፈልጡ ይግባእ። ስለዚ ድማ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይን ሰብ ሞያ ሕጊ ትግራይን ምስ ማሕበርና ተቐራሪብኩም ብምስራሕን ናብቶም ዝታለሉ ዘለዉ ግዳያት ብኣካል ብምኻድን ነቲ ኣብ ደንገርገር ወዲቁ ኣደዳ ሰብ ግዜ ዝኸውን ዘሎ ህዝብና ብልቢ ብምቕራብን፣ ኣድላዪ ዘበለ ሕጋዊ ምኽርን ደገፍን ክትልግሱሉ ንምሕፀን።
20 ሰነ 2018 ዓ.ም
ፅላል-ሲማምት