መደረ ምኽትል ኣቦ ወንበር ፅላል ዶ/ር ሙዑዝ
ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጫ ኩርዳውያን ይበፅሖ ከምዘሎ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዶክተር ሙዑዝ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ሮማናት ኣደባባይ መደረ ዘስምዑ ዶ/ር ሙዑዝ “ኣብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ንዝመፁ ሰፈርቲ መንበሪ ገዛን ሕርሻን ብምዕዳል ተመዛበልቲ ንከይምለሱ ይስራሕ ኣሎ” ኢሎም። ስለዝኾነ መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጫ […]
ውዕሎ ጀኔቫ//
ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ናይቲ ካብ 11 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ይካየድ ዘሎ ሰልፊ “ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ”፤ ሎሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት-ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ድሙቕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዳ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ሙደረ ዘስመዑ ኣቦ-ወንበር ፈፃሚት ፅላል ዶር መሪሕ ወላይ ከም ዝበልዎ፤ ተመዛባልን ስደተኛን ህዝብና […]