ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግዱድ ምዝውዋር መንበሪ ኣባይቲ ኣድሂቡ ፣ ካብ ፅላል-ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተዉሃበ መግለፂ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመን ይፍፀም ዘሎን ንጡፍ ፅንታ ( Active Genocide) ካብ ግዘ ናብ ግዘ ትሕዝትኡን ዓይነቱን እናቐያየረ፤ የብፅሖ ዘሎ ኩሉ-መደያዊ ቅልውላው ድማ ዓብዪ ምዃኑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሃፍትን ንብረትን ተጋሩ ክሳብ ሐዚ ይፍፀም ዘሎ ስርዓታዊ በደል ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ክልላውን ፌደራላውን ኣብያተ ዕዮታት መንግስቲ ብደብዳበን መግለፂታትን ከነፍልጥ ፀኒሕናን ኣለናን። ወርርቲ ሓይልታት ብኢ-ሕጋዊ […]