===================
ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍልይ ዝበለን ፀላውን ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዋና ኸተማ ትግራይና ኣብ መቐለን ኣብ ዋና ኸተማ ስዊዘርላንድ ኣብ ጄኔቫን ኣዳሊያ ኣላ። ናይዚ ሰልፊ ዋና ዓላማ “ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ” ዝብል ኾይኑ፤ ፅንተታዊ ኲናትን ወራርን 2013 ስዒቡ ሃፍቶምን ንብረቶምን ተመንጢሎም ብትግራዋይ መንነቶም ካብ መረበቶም ብሓይሊ ተሰጒጎም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቆቢ ካምፕታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ከርፋሕ ሂወት ዝርከቡ ኩሎም ግዳያት ብዘይ ምንም ቅድመ-ኩነት ናብ መረበቶም ክምለሱ፤ ኣብ ልዕሊ ተፈራረምትን ኣፈራረምትን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፌደራል መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ፅዕንቶ ንምፍጣር እዩ። ብምዃኑ ጉዳይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ኩሉ ትግራዋይ እዩ ብዝብል መንፈስ ኩለኹም ኣብ መላእ ትግራይን ኣውሮፓን እትነብሩ ተወለድቲ ምዕራብ ትግራይ ኩለኹም ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ኣብዚ ፈላማይ ኣብ ውሽጣ ዓድን ወፃእን ብጥምረት ዝግበር ታሪኻዊ ሰልፊ ተረኺብኩም ድምፂ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ህዝብና ክትኾኑ ብኽብሪ ንዕድም! ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይስልፊ ዝግበረሉ ኣድራሻ፥ 1, መቐለ – ኣደባባይ ሮማናት:

ዕለት: 11 -13 ሰነ 2017 ዓ/ም
ካብ ሰዓት 12:00 ንጉሆ ጀሚሩ
ዝውዕል ዝሓድር ሰልፊ!
2, ጀኔቫ: ፕሌስ ደስ ኔሽን, 1202 ጀኔቫዕለት: 13 ሰነ 2017 ዓ/ም (June 20, 2025)
ካብ ሱዓት 11:00 AM ንጉሆ ጀሚሩ!
ብደሓን ምፁ!