ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ናይቲ ካብ 11 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ይካየድ ዘሎ ሰልፊ “ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ”፤ ሎሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት-ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ድሙቕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዳ።









ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ሙደረ ዘስመዑ ኣቦ-ወንበር ፈፃሚት ፅላል ዶር መሪሕ ወላይ ከም ዝበልዎ፤ ተመዛባልን ስደተኛን ህዝብና ትማሊኡን ሎሚኡን ጥራይ ዘይኮነስ ፅብሑ ውን ተመንጢሉ ኣብ ከቢድ ናይ ምፅናት ሓደጋ ይርከብ ኢሎም። ትግራይና ጎዲላ ኣላ ዝበሉ ዶር መሪሕ ኣብ ትሕቲ ወራር ዝርከብ ህዝብና ውን ተኾነ መዓልታዊ ኣብ ጭቆና ኾይኑ ብሰላሕታ ይፀንት ኣሎ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም። ንተጋሩ ዲያስፖራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ፤ “ዝተጀመረ እምበር ዝተወደአ ቃልሲ ከምዘየለ ተገንዚብና ኸምቲ ኣብ ፈለማ እዋን እቲ ጄኔሳይዳዊ ኪናት ዝግበር ዝነበረ ውዑይ ምንቅስቃስ ሐዚ ውን ብዝተወደበን ብዝሓየለን መልክዑ ክቅፅል ህዝብና ቅድሚ ክራማት 2017 ናብ መረበቱ ክምለስ መላእ ተጋሩ ዲያስፖራ ውዳበናን ዲፕሎማሲያዊ ቃልስናን ኣሐይልና ክንቅፅለሉ ይግብእ” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓ ዝመፁ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጋሩ ዝተሳተፊ ኮይኖም፤ ” ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ” ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጭርሖታት ክጭርሑ ውዒሎም።
ሰማእታት ትግራይ ንምዝካር ብሕሊና ፀሎት ዝጀመረ ሰልፊ ይኣክል ጀኔቭ፤ ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ዘለዎም ጥርዓናት ዝሓዙ ደብዳበታት ናብ ቤት-ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብምእታውን ተዛዚሙ።