ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጫ ኩርዳውያን ይበፅሖ ከምዘሎ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዶክተር ሙዑዝ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ሮማናት ኣደባባይ መደረ ዘስምዑ ዶ/ር ሙዑዝ “ኣብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ንዝመፁ ሰፈርቲ መንበሪ ገዛን ሕርሻን ብምዕዳል ተመዛበልቲ ንከይምለሱ ይስራሕ ኣሎ” ኢሎም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዕጫ ኩርዳውያን ንክበፅሖም ዝገብሮ ዘለዎ ትኽክል ዘይኮነ ተግባር ጠጠው ከብል ፃውዒት ነቕርብ ዝበሉ ኮይኖም፤ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ስቓይ ተመዛበልቲ ከብቅዕ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፀዊዖም።

admin
Author: admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *